ኣስመራ
From Wikipedia
አስመራ ዋና ከተማን ዐባይ ከተማን ኤርትራ እዩ። 579 ሽሕ ዝኸውን ብዝሒ ህዝቢውን አለዎ። ካብቲ ዋና ዋና ፍራያት ጨርቂ፡ ዐለባ፡ ዝተዐሸገ ስጋ፡ ቢራ፡ ሳእኒን ፃሕልታትን ይርከቦ።
[edit] ታሪኽ
አስመራ አብ መበል ዐሰርተው ክልተ ክፍለ ዘመን ካብ ዝተስረቱ ዐርባዕተ ዞባታት እያ ተመስሪታ ። ከምቲ ብታሪኽ ዝበሃሎ፣ ኣብ ምጀመርታ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ጎደቦ ከበሳ፣ ገዛ ጉርቶም፣ ገዛ ሸለለ፣ ገዛ ሰረንሰር ን ገዛ አሰሜ ኣብ ዝተባህሉ ቦታታት አርባዕተ ቤተሰባት ይነብሩ ነይሮም ። እቶም ሰባት ነዞም አርባዕተ ቤተሰባት ኣዋሂዶሞም ። ከምኡውን አብ ከባቢኦም ዝነብሩ ንዝነበሩ ሽፍታታት አሸኒፎም ሶጊጎሞም ። ድሕሪ ዚ ስዕረት ነቲ ቦታ አርባዕተ አስመራ ብዝብል ሓድሽ ሽም ሰምዮሞ ። ጊዜ እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ አርባዕተ ዝብል ተሪፉ እቲ ቦታ አስመራ ተባሂሉ ክፅዋዕ ጀሚሩ ። ኣስመራ ብ 1889 ብ ጥልያን ይግዛእ ነይሩ ። ብ 1897 ከኣ ናይ ዋና ከተማ ኮይና ተመምያ ። ኣብ መጀምርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን፣ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ካርሎ ካቫና፣ ብ ጊንዳዕ ኣቢሉ ናብቲ ባሕሪ ገምገም ገፁ መስመር ባቡር ተዘርጊሑ ።